ጓሳ ህዝቢ

ጓሳ ህዝቢ – 2002

ናይ ህዝቢ ጓሳ 

ዘጓስዮ ብልቢ 

የለን ዲዩ ዘናቢ 

ዝምህሮ ሲኢኑ 

ፍልጠቱ ደሪቡ ከይዓቢ 

 

ተሰሪሑ ድንዛዘ… 

ሪኡ ከምዘይ ሪኢይ…

ሰሚዑ ከይሰምዕ… 

ኮይኑዎ ኑዛዘ…

 

ንቕሓት ዝጎደሎ 

ዒንኪላሎ ይጽሎ 

ክቁሎ ኣብቲ ሞቆሎ

በሲሉ ኽላሎ 

ተዳሊዩ ክወርድ 

ንዕዳጋ ውዕሎ

 

ጓሳ ህዝቢ 

ዲኻ ዘይተናቢ  

ፍልጠት ህዝቢ ከይዓቢ

ቪታሚኑ  

ኣጊድካዮ

ንቕሓቱ መናበሪ 

ኣይተታልሎ 

ንዘይትህቦ 

ለቦዋኻ ዘየሎ

እኽለማይ ኣይኮኖ 

መብጽዓ ዝጸሮ 

ሕንኩሮ ዝሮ ምሮ

ጓሳ ህዝቢ 

ዲኻ ዘይተናቢ  

ፍልጠት ህዝቢ ከይዓቢ 

ኣንታ ጓሳ ህዝቢ 

ስራሕካ ዘይተናቢ 

ፍልጠት ህዝቢ ክዓቢ