እዛ ሕማምና ኣበይያ ዘላ – 2024

ዛሕማምና ኣበይኮያ ዘላ – 2024

ገለስ ኣሎ ገለ ዘይተፈልጠ 

ሒዙና ዘሎ ኣፋፎትና ዘስሓተ 

ፈታው ተገዛእቲ ክንከውን ነብስና ዝመረጸ 

 

እዛሕማምና ኣበይኮያ ዘላ 

ከይንፍውሳ ሲኢናዮ ኣድራሻ 

ንዘይንኽእሎ ዲና ጸርናዮ ሕማማ

ዘይርከቦ ፈውሲ ተወሪስና ዕላማ

 

እቲ ናትና ሂወት እንዕሉዩ ከመይ 

ምርዳእ ኣቢዩና ናበይዩ ናበይ 

ንቡር ዘለና ክመስል ገይሩና ከይኣኽሎ

ሰሪሑና ሰብ ምስሊ ጥዕና ከምዘሎ 

 

ዘይዕረኳ የለን ክዕረ ዝኽእል 

ንእመኖ ሕምቀትና ፈውስና ክንቅበል 

ንንብስና ጥራይ ሃሰው ደኣ ንበል 

ፍቕሪ ሃገር ዘለዎ ጥዕና ክንክተል

 

ብድሕሪኡዩ ከመይ ከመይ ከምዝነበረ

ኣድራሻ ፈውስና መስመሩ ምስ ሓዘ 

ሰብዩ ንሰብ ዝሰርሖ ሰብ ዘግብሮ 

ስለዚ ኸኣዩ ነብሰ ምትእምማን ይሓድሮ 

ሰብ ደኣ ንኹን ሕማምና ክንፉዉሶ