ኤርትራዊዝም ኣይኮንኩን – 2024

ኤትራዊዝም  ኣይኮንኩን – 2024

 

ኤትራዊዝም ኣይኮንኩን

ኤርትራዊየ ሕልናይ 

ኤርትራዊ ዘግነተይ   

ስነ-ሓሳብ ፋሽሽትነት 

ዘይብለይ ሃገራዊየ 

 

ፍቕሪ ሃገር’ዩ ሕልናይ 

ዝተሰረተ ልበይ 

ነቕ ዘይብል ሰረተይ  

ኤትራዊዝም ግን 

ኣይኮንኩን

 

ኤርትራዊዝም 

ስነ-ሓሳብ’ዩ 

ፋሺስቲነት 

ተኸታሊሰረት 

ሃገራውነት 

ዓለታዊነት 

ጸረ መሰረት   

 

ሃገራውነት ግን  

ፍቕሪ ሃገርን 

ክልተ ነገር’ዩ  

በበይኑ ዓይነት 

መንነትውን  

መለለይ እንታይነት’ዩ

 

ምድብልላቕ 

ንወግዶ 

ቁኑዕ መስመር 

ነራጉዶ