ነብስኻ ኣይተታልላ – 2022
ኣንታ ሕደግ
ሕደግየ ሕደግ
ነብስኻ ኣይተታልላ
ሕደግየ ሕደግ
ብላሽ ኣይትታሓገግ
ጽቡቕ ዘለኻ ኮይኑ ከይመስለካ
ንስኻን ድሕሪ ባይታኻን
ንድሕሪት ከም ሽንቲ ገመል
ዕለተ ሂወትካ
ናብ ሚእቲ ዓመት ጋማን ዳተመሊስካ
ንንቡር ዘይምንባር ምንባር ለሚድካ
እምብለይ እምብለይዶ በላ
ነብስኻ ሃሰስ ኢልካ ኩሉላ
ኣብዚኣያ ዘላ መስመረይ ኢልካ ስርሓላ
ንቡር ጉዕዞኻስ ከተርክበሉኢኻ
ዝጽረ ኣጽሪየላ ነባሪት ሂወትካ
ነብስኻ ኣይተታልላ … ለማጽ ክትኮነላ …
ኩርኳሕ ከምዘላ … ኣይትዘንግዓላ …
ዝጽረ ኣጽሪየላ … ነጻነት ክትከውን
ወድዓዊ ኩውንነት ኣማዛዝነላ
