ምሕሳብ ሸጊርዎ ኣፍንጫ ዲዩ ገጂፍዎ – 2024
ኣመለኛ ተዛራቢ
ዘረባ ሃልኪ
ካብኡ ናብኡ
ኪንዩ ኣፍንጭኡ
ክሓስብ ዘይክእል
ገጂፍዎ ዲዩ
ከይሪኢ ኸወልዎ
ስድሪ ’ፍንጭኡ
ንዘይከይድ
ጅግና’በሳ
ንኽመስል
ይዋራዘ
ርሕቐት ሚዛኑ
ነዊሕ ከይከደ
ኣብ ሓጺር ግዜ
ግምቱ ይጉዘ
ስምራ፡
ርሕቐት ኣፍንጭኡ
ዲዩ ሪሒቕዎ
ምእማት ሲኢንዎ
ንሓጺር ግዜ ክዋራዘ
ኣብ ነዊሕ ግዜ ይጉዘ
ምሕሳብ ሸጊርዎ
ኣጸጋሚ ኮይንዎ
ኣፍንጫ ዲዩ ገጂፍዎ
