መንግስታት ዓለም – 2004

መንግስታት ዓለም – 2004

 

መንግስታት ዓለም ሓደ’ዩ ገጾም 

ነንሕዶም የሊፎም ዘይህቡ ንገበናቶም  

ንዝበደሉ… ስጉምቲ ዘይወስዱ… 

ብዘረባ ጥራይ… ምኽንያታት ኢፈጥሩ…  

ውልቀ መለኽቲ 

ነዚኣ ፈሊጦምዮም  

ተኣማሚኖም… 

ድሕር ዘይብሉ 

ተግባሮም ኣሚኖም 

ክፍጽሙ ኣመሎም… 

 

ንዝበደሉ… ስጉምቲ ዘይወስዱ… 

ብዘረባ ጥራይ… ምኽንያታት ኢፈጥሩ…  

ናይ ሰብ ርህራሀ 

ዘይብሎም ኣይግዶም 

ደምዩ ዝዓውዶም… 

ንኽፍጽሙ ድሕር ዘይብሉ 

ሕጊ ዘይቅይዶም…

እገዳ በሎ ሳክሹን ውንበሎ ከምዘይትንክፎም…

ስለ ዝፈልጡ… 

ስለ ዝፈልጡ ናይ ዓለም 

ኮንቱ ብላሽ ምዃኑ…  

ስምራ፡

ውልቀ መለኽቲ 

ጀኑሳይድ እንዳፈጸሙ  

መንግስታት ዓለም 

እዝኖም የጽምሙ 

ሪኦምስ ከምዘይ 

ራኣዩ ከኣ ይግረሙ 

መሓዛ ሰባር ነቃዕ ብቀደሙ