ሃገር ኣላትና ውልቀ ሰብዩ ዝውንና – 2023

ሃገር ኣላትና  ውልቀ ሰብ ዝውንና – 2023

 

ሃገር ኣላትና 

ውልቀ ሰብ ዝውንና…  

ኑቡር ንምንባራ 

ዘይብላ ሂወት ዕላማ… 

ኤርትራያ ሽማ 

ሃገርያ ንፎርማ… 

ናይ ሰብ ርህራሄ 

ክንዲ ቅንጣብ ዘይብሉ… 

ዓገብ ዝብሎ ዘይብሉ 

ዘራጊቶ ዝዕንድረሉ… 

ብዘይ ቅዋም ባይቶ ሃገር 

ሕዛእቲ ኮይኑ ለምሊምሉ   

ኤርትራዊ ከምዘይ ኮነ ኳዩ 

ልቡ ጠፍጢፉ ዝነገረ

ምስ ሓራዲዩ 

ዝፈቱ ረኺቡ ህዝቢ…  

ሞፍቶይ በለ ዝብኢ 

ድልየታቱ ንኽዓቢ…

ምስ ደም ሰብ ካል ኪዳን 

ዝኣሰርሉ ንኽንደሚ 

ሓደ ካብቲ ሓደ 

ዘይሓይሽ ልቢ ዓሻ ኩሉሓደ 

ኤርትራዊ ከምዘይ ኮነ ኳዩ 

ልቡ ጠፍጢፉ ዝነገረ

ሓደ ካብቲ ሓደ 

ዘይሓይሽ ልቢ ዓሻ ኩሉሓደ