ምሕሳብ ሸጊርዎ ኣፍንጫ ዲዩ ገጂፍዎ – 2024

ምሕሳብ ሸጊርዎ ኣፍንጫ ዲዩ ገጂፍዎ – 2024

ኣመለኛ ተዛራቢ  

ዘረባ ሃልኪ  

ካብኡ ናብኡ

ኪንዩ ኣፍንጭኡ 

ክሓስብ ዘይክእል    

ገጂፍዎ ዲዩ 

ከይሪኢ ኸወልዎ

 

ስድሪ ’ፍንጭኡ 

ንዘይከይድ 

ጅግና’በሳ 

ንኽመስል  

ይዋራዘ 

ርሕቐት ሚዛኑ 

ነዊሕ ከይከደ 

ኣብ ሓጺር ግዜ

ግምቱ ይጉዘ

 

ስምራ፡ 

ርሕቐት ኣፍንጭኡ 

ዲዩ ሪሒቕዎ 

ምእማት ሲኢንዎ  

 

ንሓጺር ግዜ ክዋራዘ 

ኣብ ነዊሕ ግዜ ይጉዘ 

 

ምሕሳብ ሸጊርዎ 

ኣጸጋሚ ኮይንዎ

ኣፍንጫ ዲዩ ገጂፍዎ