ዋኒነይያ ከም ድላየይ
ዝሃበኒ የለን ስልጣነይ
ማሕፉዳ ናተይያ ኤሪትራ
ዋኒነይ’ዩ ንብረታ…
ዝመርጸላ ኣፋፈታ…
ኣነ’የ ዝቋጻጸሮ…
ዝደለኽዎ የተግብሮ…
ካብ ታሕቲ ክሳብ ንላዕሊ…
ርእሲ ናተይ’ዩ ዝእዝዞም…
ኣብ ነፍሲ ወከፎም…
ቀያዲ ገረየ ይሕዞም…
ፍሕት ዝበለ ዝራኣኽዎ…
ካብቦቱኡየ ዝኣልዮ…
ኣብ ዝጣዓመኒ ግዜ…
ኣገልጋሊየይ ዋላ ዝውሕጦ…
ኣነየ ዶክተራ…
ኣነየ መምህራ…
ኣነየ ሓኪማ…
ኣነየ ደብተራ…
ስምራ፡
ናይ ሓፋሽ ክንሳ…
ባዕለይየ ዶክተራ…
ኣነየ መምህራ…
ባዕለይየ ሓኪማ…
ኣነየ ውናኒኣ …