ኣምበላይ ቀላሳይ
ናይ መሬት ነባይ
ንስኻ ኢኻ ኣምበላይ ኣላይ
ተጣባቒ መሰልካ
ባዕልኻ ኢኻ
ኣላይ መሬትካ
ዋሕስ ናይ ህዝብኻ
ጻዕርሓ’ዩ ምእላይ…
ከተካይዶ መኸዳኻ…
ክትቅልሶ ክትኣሊ…
ክኾነልካ ሰናይ…
ወሰን በሎ ደኣ ወሰን…
መሰልካ ዝጻረር…
ድሕርሕር ኣይትበል…
መለይ’ኻ ወስን…
ተጣባቒ መሰል
ባዕልኻኢኻ መለይ
መኸዳኻ ኣላይ
ኣላይ ተኻላኸላይ
ኣምበላይ ቀላሳይ
ወሰናስን ነባይ
ጻማ’ለዎ ጻዕርኻ
ምዕባለ ዘሳጋግር
ሙዕሩይ ናብራ ሂወትካ
ዝኹስኩስ ዘማእክል…
ስምራ፡
ተጣባቒ
መሰልካ ባዕልኻ
መለይ ኣምበላይ ኢኻ…
መሰል ንወዲ ሰብ
ኩቡር’ዩ ነባሪ
ብቀሊሉ ዘይትምመን…..
ኣምበላይ ቀላሳይ
ተኻላኸላይ መኸዳ ኣላይ…