ነዞም ነዞም ነዚኦም የ
ነዞም ነዞም ነዚኦም የ
ነዞም ነዞም ግደፍ
ነዞም ነዞም ነዞም ነዚኦም
ብዛዕባ ዓዲ ብርሃን ይዛረቡ
ኩሉ ድልዱልን ሓድነትን ዘለዎ
እዞም እዞም…
መራሒኦም ሒዞም
ከም ኣቦ ዝርኢዎ
እዞም እዞም…
ምስሊ ኣብ ቃላቶም
ተሰኪሞም ይኸዱ
ከም ፈጺሞም
ዘይገድፍዎ ሕልሚ
እዞም እዞም…
ለይቲ ብፍርሒ
ዘይትሕሹኽ
ዘይዕለል ከዕልሉ
እዞም…
ሕልምን ክውንነትን
ጎኒ ንጎኒ
ይኸዱ እምበር
ፈጺሞም ኣይራኸቡን
እዞም እዞም…
ንዘይራኸብ ሕልሚ
ሕልሚ ጽውጽዋይ
እዞም እዞም እዞም…
ሃገር ምሉእ ምዃና
ኩሉ መከራ
ከም ዝተጋነነ ብዛዕባ ናጽነት
እዞም እዞም…
ዝገልጽ ቃላት
ኣብ ክንዲ ተስፋ ስግኣት ምዃኑ
ቃላት ነጻ ኣይኮኑን
ብመስርዕ ይስለፉ ከምስሉ
ስምራ…
ነዞምየ ነዞም ነዞምየ ነዞም
ንኺድ ጥራሕ ክብሉ
ግዜ ዳቐተሉ
ግዜ የላሕልሑ
ት’ሓሶት ሕጊ
ምስ ኮነ
ይብሉ: ሃገር ሓያል እያ
ይብሉ: ህዝቢ ሓደ እዩ
ይብሉ: እቲ መራሒ ይከላኸለልና
ኤረይ ሃገረ ንኹሉ ዜጋ
ማዕረ ንኹሉ ሚዛና
ዊዒሉ ሓዲሩ
ግዜ ተነወሐ
ዘይተርፍ ኢዩ
ነጥቢ ምዓልቦ
ናይ ህዝቢ
ምዃኑ
ዲዩ
ዘንጊዖሞ
ወይስ ናቶም
ወገናት ዲዮም
ከም ሓፋሽ ቆጺሮሞ
ኤረይ ሃገረ ንኹሉ ዜጋ
ማዕረ ንኹሉ ሚዛና