ንፍቕሪ የለንዩ ከምኣ

ንፍቕሪ የለንዩ ከምኣ – 2002 

 

ንፍቕሪ የለንዩ ከምኣ 

ሓንቲ ንሳያ መብጽዓ 

ሪሕቐያየ ግዲ ካብኣ 

ናፊቓትኒ እዛ ቆልዓ 

 

ንፍቕሪ የለንዩ ከምኣ 

ንሳያ ሓንቲያ ንሳ… 

ንልበይ ወቒዓ ትርግታ

ናፍቖተይ ምስኣ…

 

ንቑሩብ ግዜ… ተዓገስኒ… 

ክመጽእየ… እዋን ኣለኒ… 

ቀሊል ኣይኮነን… ናትኪ ናፍቖት… 

የሕልፎ’ለኹ… ቀትሪ ከም ጸልማት… 

ይጽመም ኣለኹ ዓቕሊ ትዕግስቲ… 

ክትወግሕያ ዝጸልመተት እዛ ማዓልቲ… 

 

ኣዳህሊሎማ… ባዓል እከይ ግብሪ… 

ክቃዳደሙ… ጸልማት ብፍቕሪ… 

ብዙሕ ፈተነ… ዓቕሊ ዝሳኣኑ… 

መሲልዎም ዳኣምበር… ብቐሊል ንዳነ… 

ንግዚኡ’ዩ ንግዝኡ ተሃቀኑ… 

ዘይፈርስዩ ቃል ኪዳንና ሓቂ እመኑ… 

 

ስምራ፡ 

ኪኑ ዕምባባ 

ናፊቓ፡ሎማ ሎምስ 

ናፊቓ ሎምስ