ዕዉር ዲኻ ጸማም – 2024

ዕዉር ዲኻ ጸማም – 2024

 

ዕዉር ዲኻ ወይ ጸማምመ 

ንበለጽ ክትከውን ጣዓመ 

 

ዕዉር ጸማም ኬንካ

ከይኮንካ ዀንካ ዝኾንካ

 

ሪኢኻ ከምዘይ ራኣኻ 

ሰሚዕካ ከምዘይ ሰማዕካ 

ዕድል ሂብካዮ ኽጥቀመልካ

 

ፈጣሪ ኣምላኽካ 

ሂያብ ዝሃበካ 

ዕሮትን ምጽማምን  

ክትከውን ዶ መሪጽካ  

 

ይዋኣኻ ብሂወትካ ከለኻ 

ተገልቢጡ ክወቕዓካ ንዓኻ 

 

ክፈቶ ጉንዲ እዝንኻ 

የዕንቲኻ ኣብሪሀን ከሪኣኻ