ኹምራ ጸበባ – 2003

ኹምራ ጸበባ – 2003

ጨርቃ ደርቢያ ቀሊዓ ጉልባባ 

ጀመረት ልመና ተወዲኡ መሶባ 

ኩድም ሽፍን ኢላ ብብላይ ዓለባ

 

በለት ሕጅስ በሉ’ምብኣር ከድና 

ተቐሊዑ… ክብረትና…

ደቅና ኣሕሊፍና ምስሃብና 

ሰኣን ፍልጠትና 

ንድሕሪት እባዳኣ ተረፍናየ ተረፍና 

 

በቃ ሓሲርና ደገመት 

ኣስተንቲና ምስ መጻላ 

ተዓጂበን ከስምዓ ብዓጀባ 

እንዳበላ… ኣጆኺ’ባ… 

በለት ኣነስ… ጸጊበ ዘረባ 

ሎምስ ኮይኑኒ ዘረባ ዳርጋ ዒባ 

ኣይነቅጽ ኣይነድድ ኣይሕቆን ጸባ 

 

ብሰንኪ… ኹምራ ጸበባ… 

ገዓት ኣደይ ተለዊጡ ናብ ሕልሚ ጋባ… 

ህዝቢ ተረሚሳ… መዓንጣ ስኢና… 

ትንፋስ ዘየልብሳ ልባ ፈሲሳ ፈሲሳ… 

ፈልሲ ከይትገብር ነብሳ ዝመልሳ…

መንግስተይ’ባ ሓቀቀት ብሓደ ህዝቢ ሓደ ልባ…