ኣውራጃይ ክብል ኣብዘይ ሃገረይ – 2020
ኣብ ሙዕቡል ሃገር እንዳነበርኩ
ንማለቱ ወፊረ ያኣቱ
ከባቢየይ ተነፊገዮ
ከይማሃሮ ንጥቕመይ ከሎ
ፍትሓዊ ኮሎ ዘዛንየኒ
መሰል ክብረተይ ዘኹርዓኒ
ሃገራውነተይ ዘቃራርበኒ
ኤርትራውነተይ ከይሕሸኒ
ኣውራጃ ሕልናይ የገድደኒ
ኣውራጃይ ክብል ኣብዘይ ሃገረይ
ተሪፈ ነዛ ዕቢየተይ
ኣብ ሙዕቡል ሃገር እንዳነበርኩ
ንማለቱ ወፊረ ያኣቱ
ከባቢየይ ተነፊገዮ
ከይማሃሮ ንጥቕመይ ከሎ
ኤውሮፓ ካናዳ ኣመሪካ
ኩሉ ወዮ ርእሲ ታኒካ
ካብኡ ዝገደደ ኣብ እስራኤል
ሰፈር ድንቁርና ኮይኑ ክዕለል
መፍቶ ጓና ኾይነ
ተሪፈ ሳኣን ንቕሓተይ
