ኣታ ወዲ ዘይትዕረ – 202
ኣታ ዘይትዕረ
ውሒዱካ ዲዩ …
በቲ ዓመጽ መቐረት ዕረ …
ከተስተማቅሮ ናይ ባርነት ፍረ…
ኣይኣኽለካንዶ ዝመረረ….
መዋእል ኮይኑ ርብዒ ዘመን
ሂወትካ ሒዘን
ፋይዳ ዘይብለን…
ንማዓስዩኸ መዋቕርካ
ንቕሓትካ ክባራበር…
ኣብ ደልሃመት…
ተሸሚሙ ክሻፋፈን…
ግዜ ተወሲዱ መጢጥዎ እዋን
ከይተዓረኻ…
ከምዚልካስ ኣይናብራን
ከምዚልካስ ኣይነበር
ክሳብማ..ዓስ ክንበር
ኣንታ ወዲ ዘይትዕረ …
ወሒዱካ ዲዩ
በቲ ዓመጽ መቐረት ዕረ …
ከተስተማቅሮ ባርነት ፍረ…
ኣይኣኽለካንዶ ዝመረረ….
ፍጠሮ ዓውዲ መኸዳ ኪዳ…
ዘካይድ ዓዲ…
መባራበሪ…
ትንስኤ ማኣዲ…
ክዳላደል….
ጹኑዕ ዕርዲ…
