ኣምበላይ ቀላሳይ
ናይ መሬት ነባይ
መሰልካ ሓሉ ኣላይ ኢኻ መለይ
ተጣባቒ መሰልካ
ባዕልኻ ኢኻ
ኣላይ መሬትካ
ዋሕስ ናይ ህዝብኻ
ጻዕርሓ’ዩ ምእላይ…
ከተካይዶ መኸዳኻ…
ክኾነልካ ሰናይ…
ኣምበላይ ኢኻ ቀላሳይ…
ወሰን በሎ ደኣ ወሰን…
መሰልካ ዝጻረር…
ድሕርሕር ኣይትበል…
መለይ’ኻ ወስን…
ተጣባቒ መሰል
ባዕልኻኢኻ መለይ
መኸዳ ኣላይ
ተኻላኸላይ
ኣምበላይ ቀላሳይ
ወሰናስን ነባይ
ጻማ’ለዎ ጻዕርኻ
ምዕባለ ዘሳጋግር
ሙዕሩይ ናብራ ሂወትካ
ዘማእክል ዝፈጥር…
ስምራ፡
ተጣባቒ
መሰልካ ባዕልኻ
መለይ ኣምበላይ ኢኻ…
መሰል ንወዲ ሰብ
ኩቡር’ዩ ነባሪ
ብቀሊሉ ዘይትምመን…..
ኣምበላይ ቀላሳይ
ተኻላኸላይ መኸዳ ኣላይ…