ንፋስ ሃገረይ ናፊቐዮ – 2023

ንፋስ ሃገረይ ናፊቐዮ  –  2023

ንፋስ ሃገረይ ናፊቐዮ 

መቐረት ሂወት 

ደልየ ሲኢነዮ

 

ከም ሎሚ ከይኮነ 

ዘመን ግርምቢጦ

 

ባዓል ጮው እግሮም  

’ዛ መሬት ፍቕሪ 

የእቲዮምላ… ቁሪ ነባሪ

 

ኣክንዲ ፍትሒ 

ፍርዶምያ በትሪ 

 

መሬት ዓደይ 

ዛዓደይየ 3…  

ገምገም ባሕሪ 

ቅናታ ሃገረይየ 3 

ቆላ ደጋ ዕድላየ 

 

ሩሑቕን ቀረባን 

ትሰምዕዶ’ሎኻ 

መሬት ኽጭድር 

ጎልጎል ዓደቦኻ 

 

ትጉሽተትካ ድዩ

ትጉሽተተየ 

ሓንጊድይ ኣቢዩ 

መሬት ንፋስ ዓደየ 

 

ሓሪምዎ ሎ 

ጸላም ከይእለ 

ኔሩ ብኣጋ

ሎሚ ኮይኑ ብዋጋ