ኤረይ ሃገረይ ሰብድያ ሲኢና – 2016
ኤረይ ሃገረይ ሰብድያ ሲኢና
ጽምዋ ተዋሒጣ ደቃ ከለና
ንታሓናፈጽ ከም ማይን ጸባን
ሓደ ኾይና ሓቢርና ነድሕና ሃገርና
ብሰንኪ እዚ ሕሱም ዘርኢ…
ተበቲና ስድራ ስኢና ረድኢ…
ጸሚዎ ክራማት ቆውዒ…
ተባሪሩ መንእሰይ ዓዲ…
መኻን ኮይና ክርኢ ስድራ ወላዲ
ኣብ ውቂያኖስ ኣብ ጽምዋ ዓለም…
ኣብ ጫካ ህልም ጭልምልም…
ኤሪትራ ተፈልያ ክትከርም…
ተሸፊና ንበይና ክትነብር…
ኣብ ጽምዋ ዓለም ዘይብላ ምስክር
መንእሰይ ተኻላኸል ህዝብኻ ኣውሕሶ
ንቡር ምንባር ክብለስ ሃየ ተቓለሶ
ስምራ
ኤረይ ሃገረይ ኣጸሚዩ ሒዝዋ
ኣጸሚዩ ዕርቃና ኣውጺዋ
መንእሰይ ተታሓዞ ተጣማጠም ሓዞ
ካብ ስሩ ቦንቁሶ ርእሱ ኣናውዞ
ብሰንኪ ሚሂን ኢሂን ዘይምባልና
ስኒትዲዩ ጎዲሉና ተኻዳዲዕና
ዕድልዲና ሂብናዮ ክጻወተልና
ያኣኽለና ሎምስ ንኽፈቶ ልብና
መን ካብ መን ያሓይሽ ሓደና ኩልና
መኻን ኣይንግበራ ኤሪትራ ሃገርና