ህዝባ ረሚሶማ – 2002

ህዝባ ረሚሶማ  –  2002 

ቶኾሚሩ ኹምሮ ጸበባ 

ተወዲኡዋ እንጀራ መሶባ

ኩድም ኢላ ሲኢና ዘላዝባ 

ሓዚና ርድኣታ ዝህባ 

 

ሰብዲዩ ተሳኢኑ… 

ኩሉሓደ ኾይኑ… 

መጻኢኡ ደኲኑ… 

 

ዘረባ ዒባ ለዊጡ

ኩምራ ጸበባ ፈጢሩ 

ነንሕዱ ክናጎጽ 

ዕድል ሂብዎ ንረመጽ 

ልቢ ህዝቡ ረሚሱ 

ንጻላኢኡ ኣንጊሱ  

 

እዋይ ሃገረይ

ከይሓለፈላየ… 

ህዝባ ረሚሶማ…

 

ህዝባ ረሚሶማ 

ሓሞታ ኣፍሲሳ  

ሂወት ከይትመልስ 

ከይትኹስኩስ ነብሳ 

ሲኢናቶ ፈውሳ

ንምድሓና ከርሳ 

ነባሪኻ ፈልሳ 

ኣድሕና’ዶ ’በሳ