ሃገራዊ ፍቕሪ – 2004
ሃገራዊ ፍቕሪ
ኤርትራውነትካ ይኹን ነባሪ
ሃገራዊ ፍቕሪ
ብስምዒትካ ተዘዝ የብልካ
ማዕሙቕ ልብኻ…
ዝመንጨወ ፍቕሪኻ…
ዕረ ኮይንካሉ
መቐረት ዋሓዚ ደምካ…
ነብስኻ የሕሲርካ…
ክትነብረሉ መሪጽካሉ…
ወገንነት ማዕቢሉ…
ቀዳምነት ተሰሪዑ…
ሃገራዊ ካልኣዊ ስለምንታይ…
ኣነ ንሃገረይየ
ንሃገረይ ጥራሕ
ሃገረይ ምባል
ኡኹል ኣይኮነን
ሃገርን ፍቕሪን
ወገንነትካን
ፈላሊኻ ራኣዮ
ንሃገረይ ክትብለሉ
ንኤርትራዊ ዜጋ
ከም ኤርትራዊ ርኣዮ
ፍቕሪ ሃገርካየ
ከተስተማቕረሉ
ኣነ ንሃገረይ
ኡኹል ኣይኮነን
ፍቕሪ ሃገር ዘይብሉ
