ፍቲ – ባህላዊ ጓይላ – 2002
ተላዓል
ተላዒለን ክኣትዋ ነቒለን
ከኹድዳ ዕሙር ጓይልኤን
ከምሕረለን ዙሪያኤን ተኸዲነን
ይእተዋ እተዋየ እተዋ
ወዘራዝር ሽኮራት ዘለዋ
መቐረት ኣለዎ ፍቲፍቲ ክፍተዋ
ማዓራትየን ሽኮራት
ጨና ኣዳም ፍጡራት
ዕምቆት ፍቕሪ ዘባራብር
ልብኻ ዘሳራስር
ሕውነትካ ዛኣስር…
ክዕጀበን ወዲ ኣዳም
ጎኒንጎኒ ክዋዛወዛ
ወኒ ራዛየ ራዛ
ቅረብ ኣሎ ማኣዛ
ስክትሽም ሓዛ…
ራዛ ናይመን ደኣ ክትሕዛ
ወኒየ ወኒ ንዕኒ…
ፍቲየ ፍቲ ንዒንዶ ቕረብኒ
ቅረቢ ቅረብኒ ወነይ ከዕግበኒ…
ወኒየ ወኒ… ቅረቢ ቅረብኒ…
ፍቲየ ፍቲ ፍቲ ሽደነይ
ፍቲ ምቅርቲ ፍቲ ምእዝዝቲ…
ፍቲየፍቲ…
ፍቲየፍቲፍቲ
ፍቲ ፈታፍቲ
ጸባ ኣጅቦ ክንሰቲ
ዓጀባየ ዓጀባ
ንሳያ ፍቕሪ መኽሰባ
ስቲና ንበል ስቲና
ልብና ቃና ክህበና
ትወኒ ነቲ ወኒ
ወኒየ ወናወኒ
ፍቲየ ወለላ
ፍቕሪዩ መኽሰባ
ናይ ልበይ ከዛርባ
ዘለኒ ክህባ