ናይ ህዝቢ ጓሳ
ዘጓስዮ ብልቢ
የለን ዲዩ ዘናቢ
ዝምህሮ ሲኢኑ
ፍልጠቱ ደሪቡ ከይዓቢ
ተሰሪሑ ድንዛዘ…
ሪኡ ከምዘይ ሪኢይ…
ሰሚዑ ከይሰምዕ…
ኮይኑዎ ኑዛዘ…
ንቕሓት ዝጎደሎ
ዒንኪላሎ ይጽሎ
ክቁሎ ኣብቲ ሞቆሎ
በሲሉ ኽላሎ
ተዳሊዩ ክወርድ
ንዕዳጋ ውዕሎ
ጓሳ ህዝቢ
ዲኻ ዘይተናቢ
ፍልጠት ህዝቢ ከይዓቢ
ቪታሚኑ
ኣጊድካዮ
ንቕሓቱ መናበሪ
ኣይተታልሎ
ንዘይትህቦ
ለቦዋኻ ዘየሎ
እኽለማይ ኣይኮኖ
መብጽዓ ዝጸሮ
ሕንኩሮ ዝሮ ምሮ
ጓሳ ህዝቢ
ዲኻ ዘይተናቢ
ፍልጠት ህዝቢ ከይዓቢ
ኣንታ ጓሳ ህዝቢ
ስራሕካ ዘይተናቢ
ፍልጠት ህዝቢ ክዓቢ