ንፍቕሪ የለንዩ ከምኣ – 2002
ንፍቕሪ የለንዩ ከምኣ
ሓንቲ ንሳያ መብጽዓ
ሪሕቐያየ ግዲ ካብኣ
ናፊቓትኒ እዛ ቆልዓ
ንፍቕሪ የለንዩ ከምኣ
ሓንቲያ ንሳ…
ናፍቖተይ ምስኣ…
ንቑሩብ ግዜ… ተዓገስኒ…
ክመጽእየ… እዋን ኣለኒ…
ቀሊል ኣይኮነን… ናትኪ ናፍቖት…
የሕልፎ’ለኹ… ቀትሪ ከም ጸልማት…
ይጽመም ኣለኹ ዓቕሊ ትዕግስቲ…
ክትወግሕያ ዝጸልመተት እዛ ማዓልቲ…
ኣዳህሊሎማ… ባዓል እከይ ግብሪ…
ክቃዳደሙ… ጸልማት ብፍቕሪ…
ብዙሕ ፈተነ… ዓቕሊ ዝሳኣኑ…
መሲልዎም ዳኣምበር… ብቐሊል ንዳነ…
ንግዚኡ’ዩ ንግዝኡ ተሃቀኑ…
ዘይፈርስዩ ቃል ኪዳንና ሓቂ እመኑ…
ስምራ፡
ኪኑ ዕምባባ
ናፊቓ፡ሎማ ሎምስ
ናፊቓ ሎምስ