ሃገር ማለት ከመይ ዲዩ
ቅዋማ ተመስሪቱ ነበሪያ ነበረ
ተኣሊዩ ማሓውራ ተበሊሉ
ህንጸታዊ ልምዓታ ዘይትርኤሉ
ሃገረይ … እዛ ፍትውቲ
ገነት እያ ሂወት መናብርቲ
ነቲ ትምኒትካ ከምቲ ነቲ ፍቕራ
ትጉሂየላ ተሕልፎ ዘላ መከራ
እንታይሞ ገበር ዘይብላ ዘማእክል
ጡዑይ ምሕደራ ተሳኢኑዋ መዋእል
…ሰላማ ሲኢነዮ… ውሕስነት መናበሪ
…ኣስተርሒኻ ምንባር… ዘይትነብረሉ ክብሪ
…ሓቂ ሸፋፊንካ… ሓሶት ክትግዕረሉ
…ነብስኻ የዕሺኻ… ዘይንቡር ክትነብረሉ
ሃገረይ ማለት ነዚ ስእሊ ዚዲዩ
………………..///…………………
…ሃገር ማለት ከመይ ዲዩ … ኣስመረይቲ ምዕብልቲ ሳሕል
…ጎደና ምዕባሌ ዘይብሉ
ድሕርቲ ሃገር ተደሊዩ…
…ኣብዚ ሙዕቡል ዘመን ቀጥዒ ሚዛን ዝጎደሎ ንድሕሪት ጎሰስ
ጎሰስየ ጎሰስ… ንድሕሪት ጎሰስ…ጎስስ
…ንድሕሪት ጎሰስ… ጎሰስ ጎሰስየ ጎሰስ