ዕዉር ዲኻ ወይ ጸማምመ
ንበለጽ ክትከውን ጣዓመ
ዕዉር ጸማም ኬንካ
ከይኮንካ ዀንካ ዝኾንካ
ሪኢኻ ከምዘይ ራኣኻ
ሰሚዕካ ከምዘይ ሰማዕካ
ዕድል ሂብካዮ ኽጥቀመልካ
ፈጣሪ ኣምላኽካ
ሂያብ ዝሃበካ
ዕሮትን ምጽማምን
ክትከውን ዶ መሪጽካ
ይዋኣኻ ብሂወትካ ከለኻ
ተገልቢጡ ክወቕዓካ ንዓኻ
ክፈቶ ጉንዲ እዝንኻ
የዕንቲኻ ኣብሪሀን ከሪኣኻ