ዓቕሙዩ ዓቕሙ
ምድንጋር ዓቕሙ
ዓቕሙዩ ዓቕሙ
ምድማይዩ ዓቕሙ
ንሓቂ ንኽጎብጣ ክህባ ዘይናታ
ንሓሶት እንዳዓበጣ
ደፋር ደረቐኛ … ዘይብሉ ዳኛ …
ርእሱ ዝሓመመ … ክልክም ዝፈረመ …
(ኣለዉ) ኣሰር ኣሰሩ … ንጽባሕ ዘይሓስቡ …
ስሰዐ ኣስኪርዎም … እምብዛ ሃሪፎም …
ኛውኛው ከም ደማሙ መስመሮም ረሲዖም
እዋይ እዋይ ናይዚጉዳም
ጉዳም መስደመም
ፋኖ ሕዛእቲ ዘርዓይ ዝሳኣነ (2 ብዘይ ወነንቲ )
ደርፊ፡
ፈታው ተመሲሉ … ፈታው ጭንቂ ዕላሉ …
ምሽክነይቲ ግን ኣደ … ውላዳ ዘዕበደ …
ርግጫ ንምርጫ … ደረጃ ኮይና ዋንጫ …
ሰራም ምጉተኛ ኣይርታዕን ባሃሊ
ጥዕና ዘይብሉ ርእሲ ናይ ሰብ ለበስ ምስሊ
እዋይ እዋይ ናይዚ ጉዳም
ጉዳም መሐለል (2)
ስምራ፡
ንሳያ ንሳ ንሳ ምልክቱ …
ንሳያ ዓቕሙ ምድንጋር ክእለቱ ….
ደረት ተቀኒቱ ደስደስ ዘይናቱ …
ጉዳም ህልኸኛ ዘይሰምዕ ፍጥረቱ …
ጉዳም ህልኸኛ ዘይሰምዕ ፍጥረቱ …
ንሳያ ዓቕሙ ምድንጋር ክእለቱ ….
ደረት ተቀኒቱ ደስደስ ዘይናቱ …
ጉዳም ህልኸኛ ዘይሰምዕ ፍጥረቱ …