ጨርቃ ደርቢያ ቀሊዓ ጉልባባ
ጀመረት ልመና ተወዲኡ መሶባ
ኩድም ሽፍን ኢላ ብብላይ ዓለባ
በለት ሕጅስ በሉ’ምብኣር ከድና
ተቐሊዑ… ክብረትና…
ደቅና ኣሕሊፍና ምስሃብና
ሰኣን ፍልጠትና
ንድሕሪት እባዳኣ ተረፍናየ ተረፍና
በቃ ሓሲርና ደገመት
ኣስተንቲና ምስ መጻላ
ተዓጂበን ከስምዓ ብዓጀባ
እንዳበላ… ኣጆኺ’ባ…
በለት ኣነስ… ጸጊበ ዘረባ
ሎምስ ኮይኑኒ ዘረባ ዳርጋ ዒባ
ኣይነቅጽ ኣይነድድ ኣይሕቆን ጸባ
ብሰንኪ… ኹምራ ጸበባ…
ገዓት ኣደይ ተለዊጡ ናብ ሕልሚ ጋባ…
ህዝቢ ተረሚሳ… መዓንጣ ስኢና…
ትንፋስ ዘየልብሳ ልባ ፈሲሳ ፈሲሳ…
ፈልሲ ከይትገብር ነብሳ ዝመልሳ…
መንግስተይ’ባ ሓቀቀት ብሓደ ህዝቢ ሓደ ልባ…