ደራሲ፡ ገብርኤል ጓንጉል
ንኺድ’ዶ ንዓዲ ኺዳ?
ንኺዳ ንኺድ ንኺዳ፡
እወ ንኺድ፡ ንኺዳ፡ እሞ ከመይ ንኺዳ?
ብዙርያ ከቢብና ከም ማይ ንኺድ ንኺዳ፡
ሓዝ ሓዝ ዝኽሳዳ
ሸታሕ ሸተፍ ብኾደድ ኩደዳ፡
ሕራይ በላ ንምብልታ
ፋሕ ብትን ከይትብል ንሩሓ ነዛ ሞታ
ንኺድ በል ነኹድዳ እንዳበላ ዕልል
ነገር ከግድዳ ክሰብራ ኹድዳ
ኣንታ ኣበይ’ሎ ቲ ከበሮ
በል ኣብሎ ኣሕርሮ ርእሱ ክዘሮ፡
ኣንታ ኣበይ’ላ ’ታ ዓዲ ኺዳ
በየንከ ቢልና ኢና ንኹዳ
ኣንታ በለን ዓዲ ኺዳ
በለን ውረዳ ወሪድክን ኣዋርዳ
ምስ ወረዳ ንዓዲ ኺዳ
ዛሕ ዛሕ ምስበለት ምስቲ ዓንዳ
ኣንታ’ሞ ምስበላ ኣበይ ንኺዶ
ተኣሲርና ኣብ ውሽጢ ኣጉዶ
ተታሒዝና ብግህዶ ኣንታ በልንዶ ስደዶ
ኣንታ በለንዶ በልንዶ ስደዶ
ኣብዚ ኣብቲ ናብቲ ማዕዶ
ጸላኢና ዓዲ ኺዳ ይኺዶ
/////////// ንኺድ’ዶ ንዓዲ ኺዳ? ///////////
ካብ ተደጎልና ኣብ ኩዶ
በሉ ተዓጺና ነኹድድ
ደም ነባዕና ብሕንግድ
ነቓጽ መሬት ኣቢሊና ኣንድድ
ኣንታ በሎንዶ ስደዶ ንዓዲ ሓራም
ካብ ተሳእነ መሬት ሰላም
ዝራብዕ ዘይብሉ እንትርፊ ላም
ኣበይ ከይረብሕ ብግዳም ግዳም
ሓደ ሓደ ኣይትበል በዘን ክልተ
ከይመጻኻ ተደሪበን ኮይነን ኣርባዕተ
ተዓጺፈን ሸሞንተ
ክልተ ደሪብካ ዳርጋ ዓሰርተ
ኣንታ ወዲ ሓደ ልባ ዘረባ ዘይብልካ
እንትርፊ ጸበባ ሓደ ሓደ ትብል ብኽልተ ልባ
ግደፍ ሓደ ሓደ ካብ በልካ ክልተ
ዋላ ንበለን ሰለስተ ወርባዕተ
//////////////////////////////////////////
ምስምስ እንዳበላ….ምስ ኣራብሓ ክልታ….ክኾዳ ክኾዳ ንማይ ጸሎታ….. በላ ርኢና ሸውዓታ
ኣይትደርበኒ…… እንዳበልካ ንዓዲ ኺዳ…. ከይውዕየኒ ከይሓፍሳ ጉዳ….. በል በል ካብ በልካ
በል እምበኣር ውሰዳ ኣሕጽር ኣቢልና….. ክንሰዳ ንዓዳ….. ብዕንጨይቲ ፈሓም
ብላምባ ከነኹድዳ…. ዝረብሕዃ ዘይብልካ…… በል ደርብ ከም ኣመልካ….ከም ኣመልካ
ኣንትን ግደፋንዶ…. እልል ኣይትበላ…… ሰብ እናመተ ኣብ ገበላ…..
ዳሓር ከይትብላ ሞታ ይፍታሓላ
በላ እምበኣር በላ በላ ኹደዳ….. ካብኣ ናብኣ ነዛ ትስደዳ….. ብኣጋ ንኣጋ…….
ነገር ከተግድዳ
ኣንታ ግደፋንዶ እዛ ጨብጨብ…. እንተኺኢልና ሓጥያትና ንሕጸብ….
ልቢ ተገበረት ኣደብ
ኣንታ ግደፍ ግደፎንዶ…..ከመይ’ሞ ዓዲ ኺዳ ዝኽየዶ….
ናይ መን ስጋ ዝሓረዶ….. ሓመድ ለቢሱ ኮይኑ ጋዶ ወይ ዓዲ፡ ዓዲ ኺዳ…..
ብኾፍካ ዝኽየዳ……. ብኾደድ ኮደድ ብኹዳ….. እዚዃ ክውሕዳ ብኹዳ