ከም ሎሚ ከይኮነ መናብርተይ – 2-004
ዘሕለፍክዎ መቐረት ንእስነተይ
ከም ሎሚ ከይኮነ መናብርተይ
ንቡረይየ ሲኢነዮ ተሓሪሙኒ
ንመሰለይ ነታ ሰብኣውነተይ
ሃገራውነተይ ብገዛእ ሃገረይ
ካላኣይ ዜጋ ተቖጺረ ኣብ መሬተይ
ሓሲሩኒ ክብረተይ
ሳዓብቲ ሰሪሖም ምስሊ መላፍንቲ
ዘርዓይ ዘይብሉ ፋኖ ሕዛእቲ
ረኺቦም መጓዓስቲ
ሙሉእ ሂወቶም ብሓሶት ክሃነጹ
ሃገራዊ እንዳድመጹንእስነተይ ዝጓዕጸጹ
ሳዓብቲ ሰሪሖም መላፍንቲ
ረኺቦም ምስሊ መጓዕዝቲ
ስምራ —————————————
ክር ንዓወሽ በሎ ክር ብር ክዕሎ
ግናይዮም ክቑሎ እወ ይኽእልየ በሎ
ሃየ ድሎ ተዳሎ…
ሓንሳብ ንሓዋሩ እለዮም ዞምወኻሩ
ተኾርሚኻ ኣሳፊሕካ ኩሉሓደ ኩሉዩ ሞተ…
ተኾርሚኻ ኣሳፊሕካ ኩሉሓደ ኩሉዩ ሞተ
ያኣክል እዛመፍትሕ ፍትሓያ ክትፍታሕ
የብቅዕ ጸወታ ዳማ ሸንዳሕ ዳሕ…