ተዓዲለ ትዕድልቲወ ካብ ፈጣሪ
ኤርትራ ምድሪ ቀይሕ ባሕሪ
ምስ ወደባታ ገማግም’ዩ ባሕሪ
ሳሕል ሰምሃር ወሰናወሰን
ምስ ደንከል’ያ ዝታኣሳሰር
ትግርኛ ሰንሒት ማእከል ሕምብርቲ
ባርካ ዓንዲ ሕቖ መጣመሪ
ዘርካ ኾሊልካ ንሱ’ዩ ከርሳ
ቆላ ከበሳ ዘይብሉ መለሳ
እንታይኮን ምተጸዋዕኪ
ግዝኣት ጣሊያን ተዘይገዝኣኪ
ኤርትራ’ዶ ኢሎምኺ
ቋንቋ ህዝብኺ ዘይብሉ ገላጺ፡
————ስምራ——————
ምድሪ ባሕሪ’ዩ ነሩ ትሽምኪ
ባሽዳዊ’ዩ ኤርትራ’ሉ ሂቡኪ
ብመንነት ህዝብኺ ዘይተሰርሐ
ጥዋፍ ኣይበርሀ ሽምኪ ኣይመርሐ
ሰረት ቢሄራት እቲ ቅብኣትኪ
መለለይ ሕብሪኺ’ዩ መልክዕኪ
ኢታሊያዊት ሽምኪ
ዘይምስልኺ ተዋሂቡኪ
ኤርትራ በላ
ሓቂ ዘይተመስረተ ደሞ ኮይኑላ