ኤትራዊዝም ኣይኮንኩን – 2024
ኤትራዊዝም ኣይኮንኩን
ኤርትራዊየ ሕልናይ
ኤርትራዊ ዘግነተይ
ስነ-ሓሳብ ፋሽሽትነት
ዘይብለይ ሃገራዊየ
ፍቕሪ ሃገር’ዩ ሕልናይ
ዝተሰረተ ልበይ
ነቕ ዘይብል ሰረተይ
ኤትራዊዝም ግን
ኣይኮንኩን
ኤርትራዊዝም
ስነ-ሓሳብ’ዩ
ፋሺስቲነት
ተኸታሊሰረት
ሃገራውነት
ዓለታዊነት
ጸረ መሰረት
ሃገራውነት ግን
ፍቕሪ ሃገርን
ክልተ ነገር’ዩ
በበይኑ ዓይነት
መንነትውን
መለለይ እንታይነት’ዩ
ምድብልላቕ
ንወግዶ
ቁኑዕ መስመር
ነራጉዶ