ኣታ ዘይትዕረ ውሒዱካ ዲዩ …
30 ዓመት መቐረት ዕረ …
ከተስተማቅሮ ናይ ባርነት ፍረ…
ኣይኣኽለካንዶ ዝመረረ….
መዋእል ኮይኑ ርብዒ ዘመን
ሂወትካ ሒዘን ፋይዳ ዘይብለን…
ንማዓስዩኸ መዋቕር ንቕሓትካ ክባራበር…
ኣብ ደልሃመት…
ተሸሚሙ ክሻፋፈን…
ግዜ ተወሲዱ መጢጥዎ እዋን
ከይተዓረኻ ከምዚልካስ ኣይናብራን
ከምዚልካስ ኣይነበር ክሳብ ማዓስ ክንበር
ስምራ፡
ኣንታ ወዲ ዘይትዕረ …
ወሒዱካ ዲዩ
30 ዓመት መቐረት ዕረ …
ከተስተማቅሮ ባርነት ፍረ…
ኣይኣኽለካንዶ ዝመረረ….
ኣታ ወዲ… ኣይትኹን ጉንዲ…
ዘይትዕረ… ከተድሕን ዓዲ…
ኣታ ወዲ… ዘይትዕረ…