ባዓል ንሕና ንሱ ይሕንቕቑ
ንባርነቶም ንኸኽብሩ
ፍትሒ ገዲፎም… ምልኪ የናፍቑ
ኣብ ወጻኢ ሃገር… እንዳነበሩ
መቐረት ፍትሒ… ዘይማሃሩ
ከምስሉ… ሃገራውያን ኢና ይብሉ
ውሽጢ ልቦም… ባርነት ይላሉ
ንዝነኦም… ቅድሜኻ ዘሉ
ንደላይ ፍትሒ… ከጸልሙ ውዕሉ
ዘየለ ነገር… ይሕንጽጹ
ንኽብለጹ… ኢለማምጹ
ከዳናግሩ… እንቃዓ ይርህጹ
ከም ኣናጹ… ይለቛምጹ
ኣብ ወጻኢ ሃገር… እንዳነበሩ
መቐረት ፍትሒ… ዘይማሃሩ
ሓጺብካዮም… ዘይጸሪዩ
ዝደስከሉ… ንኸይዓዩ
ጸቕጢ ኢሱ… ዝደንዘዙ
ከይማሃሩ… ዝተመረዙ
ኣብወጻኢ ሃገር
እንዳነበሩ
መቐረት ፍትሒ
ዘይማሃሩ…
ኣብወጻኢ ሃገር
እንዳነበሩ
ፍትሒ ገዲፎም
ምልኪ የናፍቑ