ኣላትና ፍትውቲ ሃገር – 2024
ኣላትና ፍትውቲ ሃገር…
ኤሪትራና ዛጽብቕቲ ሃገር…
ዘማእክሎ እ’ደሞ ሲኢኑ ህዝባ ተዋሪዱባ…
ብውሽጥን ብግዳም ህዝቢ የእቲዮሞ ግቢ
ፍትሒ ከይረክብ
ኣጊደሞ ህዝቢ
ሰላም ረኺቡ ዕቢየቱ ኸየዕቢ
ንኺድ ጥራሕ ንኺድ
ኮይንዎ ምግቢ
ባዓል ኢሱ ሚሱ
ገጾም ይበንቆሱ
ክብኡ ዘይሕሹ
ባዓል ንሕና ንሱ
ለኻኺምና ንኺድ
ጥራሕ ምስኡ
ምስኡ ምስኡ
ሕልምና ንሱ
ሃገርስ’ባ ነይራትና
ውቅብቲ ግርማ
ነዛ ጽብቕቲ ዕምባባ ኣቑሲሎማ
የሕሲሮም ሽማ ኣኽፊኦማ
ስብርቲ ሃገር ገይሮም ሰሪሖማ
ኣጸምው ኣቢሎሞ
መሬታ ዓዲ
ኣጸምው ኣቢሎሞ
መሬታ ዓዲ
ነዛ ጽብቕቲ ዕምባባ
ኤርትራ ውቅብቲ ዕምባባኣ
ኣቑሲሎማ