ቅረበኒስከ … ንቃራረብ
… የሕዋቲና የብልናን ጓና
ሌላ ጉሌላ ደኣ ንዮው ንቦሎበር
ከምንዕወትሲ የለን ዘጣራጥር
ፍቕሪ ሂወት ነጊሱ ክለብስ
ኤርትራዊ ይዓምብብ ይኮስኮስ
ንቡር ናብራ መታን ክማላለስ
ዘመን ኮይኑ ግዜ መዕነዊና
ፈጢርናዮ ክኾን ጸላኢና
ክንደይኳ ጸኒዑ ህዝብና
ክምብል በለ
እምበር ኣይፈሰሰን
ኢድን ጓንትን ንኹን ንዘልኣለም
ስምራ፡
ከም ማይን ጸባን
ንተሓዋወስየ
ክብሪታትና ክማላለስየ
ክምለስ
ቅረብ ቅረብ
ቅረበኒ
ኣይትርሓቐኒ
ኤርትራዊ መንፈስ’ዩ ዘለኒ