ቅዋም ብሽምእምበር
ኣይፈልተክን ብግብሪ
ንዒ ልበይ ንበሪ
ቅዋመይ ኢጽበየኪ ኣለኹ
ዓቕለይ እንዳጽበብኩ …
ዳሃይኪ ሃብኒ ሃለዋትኪ ሲኢነዮ
ንዓኺየ ደሊየ ቅዋመይ ንዕኒንዶ….
ምስጢራ ደብዳበ ኣድራሻ ዝተሓብኤ …
ሰታሪት ዘይብላ ተሓቢኣ ኣበይኣላ …
ከይረኽባ ሲኢነያ ተሰዊራትኒያ …
ኣሰራ ክረኽቦ ንመንየ ዘላዝቦ …
ኣበይ የእቲዮምኺ ንመንየ ዝነግሮ …
ደርፊ ፡
ቅዋመይ ኢጽበየኪ ኣለኹ
ዓቕለይ እንዳጽበብኩ …
ዳሃይኪ ሃብኒ ሃለዋትኪ ሲኢነዮ
ንዓኺየ ደሊየ ቅዋመይ ንዕኒንዶ….
ቃል ኪዳን ክኣስር ንመንየ ዘማኽር …
ለባም ሲኢነኩ ብልሓተይ ዝነግር …
ከምሰበይ ኣኸለ ሓዳረይ ክፈሊ ….
ቅዋመይ ሲኢነያ ንቡረይ ከይኣሊ …
እነኹ ንበይነይ ፍቕረይ ይደሊ …
ስምራ፡
ቅዋመይ ንዕኒ ንዕኒዶ ንዕኒ
ሽግረይ ራኢዎ ጽምዋ በርቲዑኒ
ቅዋመይ ሲኢነ … ኢነብዕ ኣለኹ … ረዳኢ ዘይብለይ …
ጸሚዩኒ ናብራ ሲኢነሉ ጩራ ናይዛ ብርሃን ስድራ …
ንሳያ ናታ መድሓኒት ሂወታ ንሳያ ናታ … መድሓኒት ሂወታ