ሰሙናዊ መደብ
ሰኑይ ሰስኖ…
ሰሉስ ረቡዕ
ሓሙስ ንኽትስልሶ፡
ዓርቢ ዓራርቦ
ቀዳም ቀራርሞ
ንሰምበቱ ከተዛዝሞ፡
ዕለተ ሂወትካ…
ጸቕጢ ጓሓሉ
ኣይትኽነሉ መክተሉ፡
በብእዋኑ ግዜ ስርዓሉ
ንሰንበቱ ከተዛዝመሉ፡
ሰኑይ ሰሉስ፡ ሰላስሎ፡
ረቡዕ ሓሙስ፡ ክትስልሶ፡
ዓርቢ ቀዳም፡ ክትቅርሞ፡ ንሰንበቱ ከተዛዝሞ፡
ብእዋኑ ግዜ ስርዓሉ፡
ሰሙናዊ መደብ ገምግመሉ፡
ግዜኻ’ዩ ትግዜ
ባጉምየ ባጉም
ከምዛ ዋዛ
ዋዛየ ዋዛ
ከያዲትያ ሓዛ
ሓዛየ ሓዛ
ማዓልታዊ ሂወትካ…