ኣመለኛ ተዛራቢ
ዘረባ ሃልኪ
ካብኡ ናብኡ
ኪንዩ ኣፍንጭኡ
ክሓስብ ዘይክእል
ገጂፍዎ ዲዩ
ከይሪኢ ኸወልዎ
ስድሪ ’ፍንጭኡ
ንዘይከይድ
ጅግና’በሳ
ንኽመስል
ይዋራዘ
ርሕቐት ሚዛኑ
ነዊሕ ከይከደ
ኣብ ሓጺር ግዜ
ግምቱ ይጉዘ
ስምራ፡
ርሕቐት ኣፍንጭኡ
ዲዩ ሪሒቕዎ
ምእማት ሲኢንዎ
ንሓጺር ግዜ ክዋራዘ
ኣብ ነዊሕ ግዜ ይጉዘ
ምሕሳብ ሸጊርዎ
ኣጸጋሚ ኮይንዎ
ኣፍንጫ ዲዩ ገጂፍዎ