መንግስታት ዓለም – 2004
መንግስታት ዓለም ሓደ’ዩ ገጾም
ነንሕዶም የሊፎም ዘይህቡ ንገበናቶም
ንዝበደሉ… ስጉምቲ ዘይወስዱ…
ብዘረባ ጥራይ… ምኽንያታት ኢፈጥሩ…
ውልቀ መለኽቲ ነዚኣ ፈሊጦምዮም
ተኣማሚኖም…
ድሕር ዘይብሉ ተግባሮም ኣሚኖም ክፍጽሙ ኣመሎም…
ናይ ሰብ ርህራሀ ዘይብሎም ኣይግዶም ደምዩ ዝዓውዶም…
ንኽፍጽሙ ናይ ሰብ ርህራሀ ፍጹም ዘይብሎም…
እገዳ በሎ ሳክሹን ውንበሎ ከምዘይትንክፎም…
ስለ ዝፈልጡ…
ስለ ዝፈልጡ ናይ ዓለም ኮንቱ ብላሽ ምዃኑ…
ስምራ፡
ውልቀ መለኽቲ ጀኑሳይድ እንዳፈጸሙ
መንግስታት ዓለም እዝኖም የጽምሙ
ሪኦምስ ከምዘይ ራኣዩ ከኣ ይግረሙ
መሓዛ ሰባር ነቃዕ ብቀደሙ