ሓደ ክንስና ንኸይንሳማማዕ’ዩ ሰሪሑና – 2025
ዓልላሎም ጋማ ኣሲሮም
ሓደ ኾይኖም ዓልላሎም
ቃል ኪዳን ኣሲሮም
ሓቢሮም
ፍሰሄ ነጊሱ ተሓጒሶም
ሓደ ክንስና
ሰራየ ሓማሴን
ኣከለጉዛይ እንዳተባሃልና
ንኸይንሳማማዕ’ዩ ሰሪሑና
ኣንነታዊ ሃኒጹና
ኣውራጃ ምሕደራ ዞባና
ትሕተቕርጺ ክፋል ናይ ሃገርና
መጸውዒ ካርታ ትግርኛ ስእልና
ሓንቲ ሽም ትግባእ ናይ ኩሉና
ከምታ ቋንቋና ሽምና ምተገበኤ
ትግርኛ ባህሊ መሰረትና
ሕጊ ዳ–ባ ማይ ቤት መለለይና
እንታይ ኣሎዲዩ ትግርኛ ተተጸወዕና
ሰራየ ሓማሴን ኣከለጉዛይ ትግርኛ ንበል
ትግርኛ’ዩ ቋንቋና ትግርኛ ንበል
——————///——————
ሓድነትና ክስማዕ ሕብረትና ክረኤ
ኣውራጅነት ክንገድፍ ንጀምሮ
ሕውነታዊ ሕብረት ክንሃንጾ
ኣንነትና ብፍቕሪ ክንስዕሮ
ሰራየ ሓማሴን ኣከለጉዛይ
ምባል ኢትረፈና ያኣኽለና
ልብና ኣብ ሓደ ትርግታና
ንኸይወቅዕ’ዩ ሃኒጹና
ከምቲ ወገነይዩ ትብሎ
ናዓይን ነቲ ሓደን ማዕረ ራኣዮ
ሕውነታዊ ፍቅሪ ከተማእክሎ
ስምራ፡
ከም ኣብርሃምን ሳራን ቃልኪዳንና ንእሰር
ቃልኪዳን ኣሲርና ሰለል ንበል
እንታይ ኣሎ ኣውራጃ ትግርኛ ተተጸወዕና
ትግርኛውያን ኢና ትግርኛ ቋንቋና
ትግርኛ ባህሊ መሰረትና
ሕጊ ዳ–ባ ማይ ቤትና
መለለይ ትግርኛ ቋንቋና
ሓደ ኢና
ቃልኪዳን ኣሲርና
ሰለል ንበል ሰለልየ ሰለል
ትግርኛውያን ኢና ትግርኛ ቋንቋና
ሓደ ክንስና ሓደ ኸለና
ንኸይንሳማማ’ዩ ሰሪሑና
ሰራየ ሓማሴን ኣከለጉዛይ ዳተባሃልና
ትግርኛውያን ኢና ትግርኛ ቋንቋና
እንታይ ኣሎ ኣውራጃ ትግርኛ ተተጸወዕና
ብሰንኪ ሓደ ዘይምዃንና
ዕድል ሂብናዮ ጸላኢና
ስልታዊ ሜላ ተሃሲና
መድሕን ህዝብና
ንኸይንኸውን
ንመጥቃዕቲ ተፈሪድና