ቶኾሚሩ ኹምሮ ጸበባ
ተወዲኡዋ እንጀራ መሶባ
ኩድም ኢላ ሲኢና ዘላዝባ
ሓዚና ርድኣታ ዝህባ
ሰብዲዩ ተሳኢኑ…
ኩሉሓደ ኾይኑ…
መጻኢኡ ደኲኑ…
ዘረባ ዒባ ለዊጡ
ኩምራ ጸበባ ፈጢሩ
ነንሕዱ ክናጎጽ
ዕድል ሂብዎ ንረመጽ
ልቢ ህዝቡ ረሚሱ
ንጻላኢኡ ኣንጊሱ
እዋይ ሃገረይ
ከይሓለፈላየ…
ህዝባ ረሚሶማ…
ህዝባ ረሚሶማ
ሓሞታ ኣፍሲሳ
ሂወት ከይትመልስ
ከይትኹስኩስ ነብሳ
ሲኢናቶ ፈውሳ
ንምድሓና ከርሳ
ነባሪኻ ፈልሳ
ኣድሕና’ዶ ’በሳ