ሃገራዊ ዲኻ’ታ ወዲ
ንምዕባሌኻ ኣምት ማኣዲ
ከም ወዲ መሬት
ዝባንካ ኣውዲቕካ… ንኽትነብረላ
ብዘይ ስክፍታ… ዓርኪ ማሓዛ
ሓወይ ሓፍተይ ኮታ…ለምሊሙ ሰቲ
ኡፈይታ ክትረኽበላ… ነዚ ገዲፍካ
ኣንነት ኣይተውዕላ… ሃገራውነት በል
ንፍቕሪ ሃገርካ… ተመስገን ምስበልካ…
ዕልልታ ናጽነትካ
ጹሩይ ማይ ክትሰቲ ዘራጊቶ ከኮልፈካ
ስምራ፡
ሃገራዊ ዲኻ’ታ ወዲ
ነቲ ምዕባሌኻ ኣምት ማኣዲ
መዋእል ኮይኑ- ሰብኣውነት ዘይብሉ
ጽልእን ቅርሕንትን- ፍሕኛ ኣብቊሉ
ትተኮስ ዛፍሕኛ- ህግደፍ’ዩ ደመኛ
ኣብቊሉ ራዕዲ
ዘራግ ማኣዲ
ዘይብሉ ራኢ
መጻኢ ዓዲ
ሃገራዊ ዲኻ’ታ ወዲ
ነቲ ምዕባሌኻ ኣምት ማኣዲ
ክትስዕሮ ሓቀኛ ባዕልኻ ኢኻ ዳኛ
ንሱዩ ሓደ መፍትሕ ነታ ዋልታኻ