ሃገራዊ ዲኻ’ታ ወዲ
ንምዕባሌኻ ኣምት ማኣዲ
መዋእል ኮይኑ- ሰብኣውነት ዘይብሉ
ባርነት ናብ ባርነት- ግዝኣት ተተኺሉ
ተመስገን ኣብትብለሉ- ዕልልታ ናጽነትካ
ብቤታዊ ባዕዲ- ደሞ ተኾሊፍካ
ጽልእን ቅርሕንትን- ኣብቊሉ ፍሕኛ
ትተኮስ ዛፍሕኛ- ህግደፍ’ዩ ደመኛ
ክትስዕሮ ሓቀኛ- ባዕልኻ ኢኻ ዳኛ
ንሱዩ ሓደ መፍትሕ ናይ ምዕባሌኻ ዋልታ
ስምራ፡
ከም ወዲ መሬት ዝባንካ ኣውዲቕካ…
ንኽትነብረላ ብዘይ ስክፍታ…
ዓርኪ ማሓዛ ሓወይ ሓፍተይ ኮታ…
ለምሊሙ ሰቲ ኡፈይታ ክትረኽበላ…
ነዚ ገዲፍካ ዶ ኣንነት ምዓላ…
ሃገራውነት በል ንፍቕሪ ሃገርካ…