ስነ-ጥበብ ናይ ህዝቢ መስቲኣትን ድምጺ ህዝብን ብምዃኖም ኣገልገልቲ ህዝቢ ኢዮም። ስለዚ ስለ ዝኾኑ ስርሖም ክዝንግዕዎ የብሎምን። ናህና ናይ ኤርትራውያን ስነ-ጥበባውያን ዋላ ዳኣ ኩልና ኣይንኹን’በር፡ ከምቲ ዝድለ ናይ ሞያ ስነ-ጥበብ ዘይምዃንና ግን ኣብ ሕቶ ምልክት የታሓሳስበካ። ኤርትራዊ ስነ-ጥበባዊ ምስ ህዝብኻን ናይ ህዝብኻ ልሳንን ኴንካ መስመር ሓቅን፡ መሰል ወዲ ሰብ ሓቢርካ ብልሳንካ ኣጉሊሕካ ድምጺ ኹኖ። ካብ ናይ ነብሰተበላጽነትን፡ መሳርሒ ስርዓታት ኣይትኹን ሓደራ።
ካብ 2000. ዓ. ም. ክሳብ’ዚ ሕጂ ዘለናዮ እዋን ዘቕረብክዎን ዘቕርቦ ዘለኹ ደርፍታተይ ክሳብ ዕድመን ጥዕናን ዝሃበኒ ሉዑል ፈጣሪየይ ንኣምላኽይ እንዳመስገንኩ፡ ንህዝበይ ድምጺ ልሳን ክኾኖ ዓቕመይ ንዘፍቀዶ ሕልናይ ዝወሰንኩ ሰብ ኢየ።