ንጹላት ኮኻኽብቲ

ካርካሳ ሃገር ኣፍሪዮማ – 2023

todayseptember 3, 2023 39

Background
share close
  • Chart track

    1

    0

    ካርካሳ ሃገር ኣፍሪዮማ - 2023

    ቢንያም ገ/እየሱስ

    • cover play_arrow

      ካርካሳ ሃገር ኣፍሪዮማ - 2023 ቢንያም ገ/እየሱስ

ኣክንዲ ህዝቢ ምንቃሕን፡ ሃገር ምህናጽን፡ ንኤርትራ ካርካሳ ሃገር ኣፍሪዮማ ንኺድ ጥራሕ ይብልዋ፡

ካርካሳ ሃገር ኣፍሪዮማ

ከም ስብርቲ ሳርማ
ካርካሳ ሃገር ኣፍሪዮማ

ጠንቂ ናይዚ ነገር
ቫይሩስ ኮይኖም ቲ’ማእከል
ቪታሚን ማዕከን ዓፊኖም
መሪዞሞ ነቲ ሓንጎል
ተበሊሉ ክተርፈሎም
ሰሪሖሞ ብሳዓብቶም…

ሆየና ሆየ ዝብሉ
ረመጽ ሓዊ ናምበልበሉ
ሽፋን ሃገር መዝሙር
ተጠቒሞም ከዕልሉ
ዕፍን ሽፍን ገይሮሞ
ብርሃን ከይንሪኤሉ …
ሓፋሽ ከይረብሓሉ

ልዕሊ 30 ዓመት
ልቺኸይዳ ማይ መጸት
ማይ ከይዳ ልቺ መጸት
ዘይሓልፈላ ኦክስዽን ምረት
ዝነበራኳ በሪሱ
ትሕቲ ቅርጻ ዘይታሃንጸት

ፍሉያት ኢና ኸኣ ’ብልዋ
ነቢዓ ዳራኣይዋ
ከምዛ ጸገም ዘይብላ
ዘይስእላ ቀቢኦም
ንኺድጥራሕ ይብሉላ
ወፍሪ ሓሶት ከላ

ወፍሪ ሓሶት ዕላማ
ካርካሳ ሃገር ኣፍሪዮማ


ንጹላት ኮኻኽብቲኡኩባት ዜማታት

Rate it
0%