ንጹላት ኮኻኽብቲ

ኤርትራ ገነት ክትኮነለይ – 2019

todayseptember 3, 2023 6

Background
share close
  • Chart track

    1

    0

    ኤርትራ ገነት ክትኮነለይ - 2019

    ቢንያም ገ/እየሱስ

    • cover play_arrow

      ኤርትራ ገነት ክትኮነለይ - 2019 ቢንያም ገ/እየሱስ

ኤርትራ ሃገረይ ገነት ክትኮነለይ

ኤርትራ ሃገረይ ገነት ክትኮነለይ
ካልእ የብለይን ንምሳያ ዓለመይ

ሃገር ኣላስትኒ…
ኣብ ዝደለኽዎ ቦታ…
ክነብረሉ ዝኽእል ባይታ…
ብዘይ ገለ ስክፍታ…
ማዕርነት ዘለዋ ቅናታ…
ናይ ልበይ ክትከውን ደስታ…
ክሰምዕ ኣይደልን ኣውራጃ ዓዲ
ፍቕሪ ሃገር’ዩ ዘለኒ ሕማመይ
ሃገራዊ ሓድነት’ዩ መትከለይ
…ሃገራዊ … እወ ሃገራዊ
እወ ሃገራዊ ናይ ምዕባሌ ዕብየት
ኣንነት ዘይብሉ ነጻነት እምነት
ሓንቲ ንሳያ እምነት መጻኢት ሓርነት

ስምራ፡

ኤርትራ ሃገረይ… ገነት ክብረተይ…
ንሳያ ዓለመይ… ብርሃን መጻኢተይ…
ሓቢርና ክነብራ… ብስኒት ብሕውነት…
ናህና’ዩ ወሳኒ ሰረት ሃገራውነት
ብዘይ ኣፋላላይ ንበል ሓወይ ሓፍተይ
ሃገር ኣላትና ሓቋፊት ኩልና…

 


ንጹላት ኮኻኽብቲ

Rate it
0%