ንጹላት ኮኻኽብቲ

መኻን ኣይንግበራ ሃገርና ኤርትራ – 2016

todayseptember 3, 2023 4

Background
share close
  • Chart track

    1

    0

    መኻን ኣይንግበራ ሃገርና ኤርትራ - 2016

    ቢንያም ገ/እየሱስ

    • cover play_arrow

      መኻን ኣይንግበራ ሃገርና ኤርትራ - 2016 ቢንያም ገ/እየሱስ

መኻን ኣይንግበራ ሃገርና ኤርትራ

ኤረይ ሃገረይ ሰብድያ ሲኢና

ኤረይ ሃገረይ ሰብድያ ሲኢና
ጽምዋ ተዋሒጣ ደቃ ከለና
ንታሓናፈጽ ከም ማይን ጸባን
ሓደ ኾይና ሓቢርና ነድሕና ሃገርና

ብሰንኪ እዚ ሕሱም ዘርኢ…
ተበቲና ስድራ ስኢና ረድኢ…
ጸሚዎ ክራማት ቆውዒ…
ተባሪሩ መንእሰይ ዓዲ…
መኻን ኮይና ክርኢ ስድራ ወላዲ

ኣብ ውቂያኖስ ኣብ ጽምዋ ዓለም…
ኣብ ጫካ ህልም ጭልምልም…
ኤሪትራ ተፈልያ ክትከርም…
ተሸፊና ንበይና ክትነብር…
ኣብ ጽምዋ ዓለም ዘይብላ ምስክር

መንእሰይ ተኻላኸል ህዝብኻ ኣውሕሶ
ንቡር ምንባር ክብለስ ሃየ ተቓለሶ

ስምራ
ኤረይ ሃገረይ ኣጸሚዩ ሒዝዋ
ኣጸሚዩ ዕርቃና ኣውጺዋ
መንእሰይ ተታሓዞ ተጣማጠም ሓዞ
ካብ ስሩ ቦንቁሶ ርእሱ ኣናውዞ

ብሰንኪ ኢሂን ሚሂን ዘይምባልና
ስኒት ኣጉዲልና ተኻዳዲዕና
ዕድል ሂብናዮ ክጻወተልና
ያኣኽለና ሎምስ ንኽፈቶ ልብና
መን ካብ መን ያሓይሽ ሓደና ኩልና

መኻን ኣይንግበራ ኤሪትራ ሃገርና

 


ንጹላት ኮኻኽብቲ

Rate it
0%