ወይዘሪት ማለሊት
ወይዘሪት ህግደፍዶ
ናይ ኤርትራ መንሽሮ
ቦቂላ ቦሶሮ
መርዛም ህዝቢ ሰረታ ሕንኩርኳሮ
ኣበይከ ኣላየ … ዕንኪሊሎ ዝዕላላ …
ማእዝና ሲሒታ … ዘርሞ ዘርሞ ኮብሊላ …
ደግሲ ሰይታን ዝሓረሳ … ሕማም ጎሮቤት ዝሓዛ
ግርምባ ወያነ
እንዳበልኪ ባዕልኺ
ወያነ ወያል ክንስኺ
ሓዝቃ ሓዝዋ ፈውስዋ ሓዝዋ
ብርሃን ገዛኹም ክትረኽቡዋ
ፈውስዋ ብእዋኑ
ርኣይዋ መንካዕያ
ፎእ በልዋ ክትጽለልያ
እንተሪኣ ሓድነትና
መርዚ ርእሲ ዝኣዓላ
ርእሲ ርእሲ ዘናውጻ
ሕብረት ህዝቢ
ዘሕምማ
ስመር ስመር ኣስምር
እወ እቲ ቅንኢ እወ የዕቢድዋ
ከደት ዓበደት ተጸለለት 2
ስምራ፡
ሓዝዋ ፈዉሱዋ …ንደመር ዘርኢ
ዘይወጽእ ሰለሎ … ናይህዝብና ድሌት
ብቕንኢ ኣቲውዋ … ጸረ ብልጽግናና
ኢቐንኡለይዮም … ናበለት ከተምስል
ዳበለት ዓበደት … ሓቂ ከምዘለዋ
ኣብ ንእስነታ … ዝጀመራ ደግሲ
በሊያ ዓረበት … ቅርሕንቲ ዳዋሰበት
ከደት ተጸለለት … ብኤርትራውያን ዳበለት
ሓዝዋ ፈትሽዋ .. ብእዋኑ ሓዝዋ
ዘይወጽእ ሰለሎ … ሓዝዋ ፈትሽዋ
ብቕንኢ ኣቲውዋ … ሓድነትና ኣርኢውዋ
ኢቕንኡለይዮም ዳበት ዓበደት 2