መን’ዩ መንዲዩ
ቀንዲ ጸላኢኻ
ብጀካ ህግደፍካ
መናሎዲዩ ካልእካ
ብጀካ ዘራጊቶ
መራሒኦም ቢቲቢቶ
ስድራኻ በቲኑ
ዘጸመወካ…
ውላድካ ዝመንጠለ
ካብቲ ዕቕፎኻ
ኣቲዉ ገዛኻ…
ንቡርካ ኣስኢኑ
ሂወትካ ዘብከነ…
ካብዚ ንላዕሊ
መንኣሎዲዩ ግዲ
ጸላኢ ዓዲ
ደመኛ ህዝቢ ኤርትራ
ኣብ ከርሲ ኣስመራ
ቖሊፋ ሒዝዋ
ንመላእ ሃገራ
ስምራ…
ጸላኢኻ መንዲዩ
መን’ዩ መን
እንትርፎ ህግደፍ መን
ካልእ እኮ የለን
መናሉዲዩ መን
መን’ዩሞ መን
መንየ መን
ተዛረብ መናሎ መን
መናሎዲዩ መን
ካልእ እኮ የለን
ጸላኢና ደኣ ንእመን
መራሒ ዘራጊቶ
ህቦቡላ ቢቲቢቶ
ሓማሚሳ
ንህዝብና በቲናቶ