ኢገርም’ዩ ኢገርመና’ሎ
ናህና ነገር እንታይዩ ዝግበሮ
ኢገርም’ዩ ኢገርመና’ሎ
ወዲ ሃገር ዝነብሮ ንቡር ዘየሎ
መደብ ዕዮ ገዛ ንኽትግበር
ግዜ ይውሰድ ዕለት ይዓብር
እዋን ተሳሒቡ ተመጢጡ
ፍዳዩ ንኾኖ ንማዓቱ
ሂወት ይበርስ እንዳሃለወ
ንወስዶ ከም ኑቡር እንዳዕነወ
ኢገርም’ዩ ኢገርመና’ሎ
ወዲ ሃገር ዝነብሮ ንቡር ዘየሎ
ሓላዊ ደምበ ተሳኢኑየ
በራግጽ ኣዛብእ ተወሪሩየ
ኣኻና ዕያውቲ ተዘሪገን
ዘራጊቶ ኣቲወን ከጽንተን
ንቡረን ከይረኽባ ዝቕልሰን
ጓስኤን ጎዲልወን ኣላይ ወሰን
ኢገርም’ዩ ኢገርመና’ሎ
ወዲ ሃገር ዝነብሮ ንቡር ዘየሎ
ኢገርም’ዩ.. ናህና ነገር… ሂወት ንምድሓን
ግዜ ይጣሓን… ግዜ ተመጢጡ… ንኾኖ ማዓቱ
ሰብ እንዳበረሰ ከም ንቡር ነገሰ
ኢገርም’ዩ.. ናህና ነገር… የዕንቲ እንዳራኣያ
ከምዘይ ራኣያ… ከስዐ ከግዝፋ… ሰበን ክቐዝፋ
ንመጻኢ ዘይጥምታ ዘይብለን ተስፋ